ኤርትራ፣ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፣ ብከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ንዝተጠቕዑ ኣሽሓት ስድራቤታት ናይ መግቢ ረዲኤት ተዓዲሉ

Radio Erena: 11 January 2022

ኣብ ኤርትራ፣ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ ኣብ ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ቁሸታት ዝነበር ህዝቢ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዝተዓደለ፣ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ዝተዓደለ መግቢ፣ ንሓደ ሰብ 25 ኪሎ ማሸላ፣ ሓደ ሊትሮ ዘይቲን ክልተ ኪሎ ሽኮርን ዘጠቓለለ ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ሓይሎ ዓድታት ሰኣን መሰረታዊ መግብታት ንሕሰም ተቓሊዑ ምህላው ኣገንዚቦም።

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ – UNICEF፣ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላላየ ሰብኣዊ ጸገማት ንዝገጠሞም ኣስታት 1.2 ሚልዮን ቆልዑን ደቂንስትዮን ንምሕጋዝ፣ ናይ 13.7 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድልዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝሰርዖ መደባት ብዝርዝር ኣብ ዘቐመጠሉ፣ ካብቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኢሉ ብቀዳምነት ዝሰርዖም ኤርትራውያን፣ ብሕሉፍ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዖም ዝእለዩ ዘለዉ ኣስታት 20 ሽሕ ቆልዑ’ዮም።

መብዛሕቶም እዞም ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዖም ሓገዝ ከምዘድልዮም ዝተገልጹ ቆልዑ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 5 ዓመት ይርከቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0