ቱርኪ፣ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማል ተሰልጥን

Radio Erena: 24 December 2019

ቱርኪ፣ ንፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማል ኣብ ተሰልጥን ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣዛዙ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ቱርኪ ሰላሚ ቱርከር፣ ትማሊ ሰንይ 23 ታሕሳስ ኣብ ሞቛድሾ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ንሱ ናብ ሶማል ዝበጽሓሉ ዕላማ፣ ኣብ ምስልጣን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ብምትኳር ምስ ሰበ ስልጣን ሶማል ንምዝርራብ ምዃኑ ኤምባሲ ቱርኪ ካብ ሞቛድሾ ገሊጹ።

ንእግረ መንገዱ ድማ፣ ብሓገዝ ቱርኪ ዝተሃንጸ ማእከል መሰልጠን ፍሉይ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ሶማል ኣብ ዝተመረቕሉ ጽምብል ተሳቲፉ።

ምስ ቀጠር ከምዝወገነት እትግለጽ ቱርኪ፣ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣእዳው ክትስሕብ ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ጸቕጢ ይገብራ እኳ እንተለዋ፣ ምስተን ዝበዝሓ ዘይሻራዊ መርገጺ ዝሓዛ ሃገራት ዝጸንሓ ምትሕግጋዝ ኣየቛረጸትን።

ቱርኪ፣ ብቀጠር ንዝምወል ሕውነት ኣስላም ዝተባህለ ተቓዋሚ ጉጅለ ኤርትራ ከምትሕብሕብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኸሳ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0