ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ዝሃነጸቶ መዓስከር ወትሃደራዊ ስልጠና ተመሪቑ

ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ዝሃነጸቶ መዓስከር ወትሃደራዊ ስልጠና ተመሪቑ

Radio Erena: 02 October 2017

Turkey Somalia base

ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ብቀዳም 30 መስከረም ከምዘመረቐት ካብ ሞቛድሾ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ክነጥፍ ምዃኑ ዝተሓበረ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ቱርኪ ካብ መሬታ ወጻኢ ካብ ዝሃነጸቲ መዓስከራት ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

እቲ ሞቋድሾ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ንኽህነጽ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ኣብ መንጎ ሶማልን ቱርኪን ዘሎ ድልዱል ዝምድና ዘነጽር ምዃኑ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ክልትኤን ሃገራት ገሊጾም።

ዛጊት ኣስታት 200 ወትሃደራት ቱርኪ ናብቲ መዓስከር ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ኣስታት 1500 ወትሃደራት ሶማል ክስልጥኑ ትጽቢት ይግበር።

ቱርኪ፣ ኣብቲ መዓስከር ንስልጥኑ ወትሃደራት፣ ታዕሊም ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ኣዝዋር ሓገዝ’ውን ክትገብር ምዃና’ያ ሓቢራ ዘላ።

ኣቐዲማ’ውን ኣብ ቀጠር ተመሳሳሊ መዓስከር ዘቖመት ቱርኪ፣ ብሰንኪ ኣዚ ጉዳይ እዚ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ውሽጣዊ ምስሕሓብ ተጸሚዳ ከምዘላ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ጸቕጢ ዝግበረላ ዘሎ ሶማልያ፣ ወትሃደራዊ ስልጠና ይኹን ሎጂስቲክ ኣብ ሓገዝ ናይ ወጻኢ ሃገራት’ያ ትምርኮስ።

ኣብ የመን ብዝተኸስተ ኵናትን ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ብዝቕጽል ዘሎ ምስሕሓብን፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቲ ኣውራ ተጸልዩ ዘሎ ዞባ ምዃኑ ዝሓበሩ ተንተንቲ፣ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ሶማል’ውን ናቱ ካልእ ጽልዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ይትንትኑ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ኣብ ጅቡቲ ተመሳሳሊ መዓስከር ትኽፍት ምህላዋ ይግለጽ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0