ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻድ ዘንበረቶ ናይ መገሻ እገዳ ክልዓል ሕብረት ኣፍሪቃን ፈረንሳ ጸዊዖም

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻድ ዘንበረቶ ናይ መገሻ እገዳ ክልዓል ሕብረት ኣፍሪቃን ፈረንሳ ጸዊዖም

Radio Erena: 02 October 2017

US travel ban

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቻድ ዘንበሮ ናይ መገሻ እገዳ ክልዓል ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ።

ኣቲ ሕብረት፣ ሱዳን ካብቲ ናይ መገሻ እገዳ ምውጽኣ ከምዘሐጎሶ እኳ እንተገለጸ፣ ነታ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ምስ ሃገራት ምዕራብ እትተሓባበር ዘላ ቻድ ምስተን ዝእገዳ ሃገራት ምጽንባሩ ዘለዎ ተቃውሞ ገሊጹ።

ፈረንሳ ብወገና፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ኣብ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ወፍሪ ኣንጻር ሽበራ ቻድ ትተሓባበራ ምህላዋ ብምርግጋጽ፣ ኣመሪካ ንቻድ ካብቲ እገዳ ክትኣልያ ሓቲታ።

ምምሕዳር ትራም ኣቐዲሙ፣ ምስ ሽበራ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣- ሱዳን፣ ሊብያ፣ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ናይ መገሻ እገዳ ከምዘንበረ ኣይርሳዕን።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ካልእ ናይ መገሻ እገዳ ግና ሱዳን ዝርዝሩ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ካብቲ ዝርዝር ተኣልያ ኣላ።

ምምሕዳር ትራም ብዘይካ’ዚ ምስ ኣመሪካ ምትሕብባር ዝኣበያ ኣብ ልዕሊ ዝበለን ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት’ውን ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልዕሊ ቻድ ንዝተነብረ እገዳ ጥራይ’ዩ ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0