ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክጅምራ ከምዘይክኣላ ተሓቢሩ

ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክጅምራ ከምዘይክኣላ ተሓቢሩ

Radio Erena: 02 October 2017

MOE

ኣብ ሓያሎ ዞባታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ስሩዕ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ክጅምራ ከምዘይክኣላ ተሓቢሩ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ፣ ናይ 2017/18 ኣካዳምያዊ ዓመተ ትምህርቲ፣ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መማህራን፣ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ ነናብ ዝተመደብሉ ኣብያተ ትምህርቲ ክርከቡ ድሕሪ ዝቐረበ ጻውዒት፣ ብዙሓት መማህራን ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፣ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብን ዓንሰባን፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሻቕሎት ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዚ ተርእዮ’ዚ ዓመት ዓመት ዝኽሰት ዘሎ’ዩ ዝበሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ እዚ ድማ ከም ኩሉ ጽላታት ኤርትራ፣ ትምህርቲ’ውን ማዕረ ክንደይ ተሃስዩ ከምዘሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ጠቒሶም።

መብዛሕቶም መማህራን ዝምደቡ ብዘይድሌቶምን ብዘይእኹል ኣፍልጦን ፍቕርን ሞያ ምምህራንን ምዃኑ ዘገንዘቡ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ዘንቀሎ ከኣ መማህራን ነናብ ዝተመደብሉ ቦታታት ክኸዱ ከምዘይደልዩን፣ ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሳዋን ካልእ መሰልጠኒ ቦታታትን፣ ብጅምላ እናሰልጠነ ናብ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ዘዋፍሮም ዘለዉ መንእሰያት፣ ንሞያ ምምህርና ብድሌትን ፍቕርን ዘይኮነ ከም ኣካል እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገክግሎት ከምዘርእይዎ’ውን እቶም ምንጭታት ኣነጺሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት፣ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ስእነት እኹል ብዝሒ መማህራን፣ ዝህብኦ ዝነበራ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ተሰናኺሉ ክሳብ ምዕጻጽ ተቓሪበን ምንባረን ጸብጻባት ሚኒስተሪ ትምህርቲ የገንዝቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0