ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስክር ንምኽፋት ትዘራረብ

ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስክር ንምኽፋት ትዘራረብ

Radio Erena: 08 November 2018

sudan_turkeyቱርክን ሱዳንን፣ ጀሚረንኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ዝምድናን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃታትን ብዝምልከት ተዘራሪበን።

ሚኒስተር ምክልኻል ቱርኪ ሕሉሲ ኣካር፣ ብሰሉስ 6 ሕዳር ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዝተራኸበሉ’ዩ ነቲ ዘተ ኣካዪዱ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ሚኒስተር ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ ኣሕመድ ዓዋድ ኢብን ዓውፍን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ከማል ዓብደል ማዕሩፍ ኣል ማሂን ኣብ ዘካየዶ ሓባራዊ ዘተ፣ ኣብ ሱዋኪን ናይ ምሕዳስን ምስፋሕን መደብ ዝካየደሉ ብዛዕባ ዘሎ ወደብ ስዋኪን ገምጊሞም።

ንሳቶም፣ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎን ብሕጂ ክካየዱ ዝተመደቡን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዛት ብዝምልከት ተመያይጦም።

ምቛም ንወትሃደራዊ ስልጣና ዘገልግል መዓስከር ሓደ ካብ ኣውራ ዝተዘርበሉ ኣጀንዳታት ምንባሩ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

ቱርኪን ሱዳንን ወትሃደራዊ ዝምድና ዝጀመራሉ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ካርቱም ፈላሚ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ከምዝበጽሐ ኣይርሳዕን።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0