ቱርኪ፣ ቀጠርን ሱዳንን ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ነጺገን

ቱርኪ፣ ቀጠርን ሱዳንን ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ነጺገን

ቱርኪ፣ ቀጠርን ሱዳንን ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ነጺገን።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብኤርትራ ዝቀረበ ወቐሳ ዝተሰምዖ ቅሬታ ብምግላጽ፣ ካብ ግጉይ ሓበሬታ ዝነቐለ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ጠቒሱ።

ቱርኪ፣ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ብዙሕ ገጻት ዘረኮረ ምትሕግጋዝ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ ሰላም ከምእትድግፍ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ሚኒስተር ዴ’ታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሱልጣን ቢን ሳዓድ ኣል ሙራይኪ፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቀጠር፣ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ፣ ብዛዕባ’ቲ ብኤርትራ ዝቐረበ ወቐሳ ኣዘራሪብዎ።

እቲ ሚኒስተር ዴ’ታ ኣብቲ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ፖሊሲ ቀጠር፣ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓታት ዝተመርኮሰን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ኣብ ዘይምእታው ዝተሰረተን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ሃገሩ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጸጥታን ምርግጋእን ክሰፍን ዘለዋ ሰናይ ድሌት ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ’ቲ ብኤርትራ ዝቀረበ ወቐሳ ከምዝተገረመ ዝሓበረ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፣ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ኣኼባ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ከምዘየለ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፣ ቱርኪ፣ ቀጠርን ሱዳንን፣ ንተቓወሚ ኤርትራ ብምሕብሓብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውዲት ይኣልማ ከምዘለዋ ዘተንብህ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምዝርግሑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0