ቱርኪን ስዑዲ ዓረብን፣ ማዕከናት ዜና ሓድሕደን ይዕፍና

Radio Erena: 21 April 2020

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ኣብ ውሽጢ ግዝኣተን ከይመሓላለፍ ድሕሪ ምዕፋነን፣ ቱርኪ’ውን ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ከምዝሃበት ይግልጸ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣገልግሎት ዜና ኣናዱሉ ንዝርከቦ መርበባት ሓበሬታ፣ ቲቪን ሬድዮታትን ቱርኪ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝዓፈናሉ ምኽንያት፣ እተን ማዕከናት ዜና ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቱርኪ፣ ከተማ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2 ጥቅምቲ 2018 ዝተቐትለ ሱዕዳዊ ጋዜጠኛ፣ ጀማል ቓሾጊ ብዝምልከት መርመራዊ ጸብጻባት የቕርባ ብምህላወን’ዩ።

ቱርኪ ብወገና፣ ከም ግብረ መልሲ፣ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብንን ሕቡራት ኢማራትን ከምዝዓፈነት እኳ እንተተቓልሐ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብዛዕባ’ዚ ዝምልከት መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ሕቡራት ኢማራት ምስ ስዑዲ ክትውግን እንከላ ቱርኪ ግና ጸግዒ ቀጠር ኮይና’ያ ቀጺላ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ ቅትለት እቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ኣብ መሬት ቱርኪ፣ ነዘን ክልተ እስላማውያን ሃገራት ናብ ዝበኣሰ ምትፍናን ሸሚሙወን ጸኒሑ።

ብዘይካ’ቲ ከፊተንኦ ዘለዋ ናይ ቁጠባ፣ ዲፕሎማሲን ሜድያን ኵናት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ናይ ውክልና ኵናት ይተዃትዃ ምህላወን ‘የን ዝውቀሳ።

ዝበዝሓ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዘይሻራዊ መርገጺ ከምዝሓዘ ከመልክታ እንከለዋ፣ ኤርትራን ጂቡቲን ግና ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ምሓዘን ብወግዒ ኣፍሊጠን’የን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0