“ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶት ሃገራት ኣፍሪቃ ብ1.6% ከንቆልቁል’ዩ”

Radio Erena: 21 April 2020

ሃገራት ኣፍሪቃ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ መኸተ፣ ዝጸንሐን ውህሉል ዕዳ፣ ክድስክል ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ቃል ኣትዮ’ዮም።

እንተኾነ እዛ ብቁጠባ ድሕሪት ዝጸንሐት ኣህጉር፣ ምድስካልን ሕድገት ከፊላዊን ዕዳ ጥራይ ንበይኑ፣ ካብዚ ዘንጸላልዋ ዘሎ ብድሆ ከናግፋ ከምዘይክእል እዞም ፊናንስያውይን ትካላት ብ17 ሚያዝያ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ገምጊሞም።

ድሮ ንጽላት ጥዕናን ሕውየት ቁጠባን ዝዓለመ ናይ ኣስታት 57 ቢልዮን ዶላር ልቃሕን ምወላን ከምዘዳለዉ ዝገለጹ እዞም ትካላት፣ ነቲ ኣፍሪቃ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ዝተገመተ 114 ቢልዮን ዶላር ክመልእ ናይ ኣስታት 44 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ የድልያ’ዩ በሃልቲ’ዮም።

ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ካብ ዝርኣየቶ ቁጠባዊ ምከት ዝበኣሰ ከጋጥማ ምዃኑ ብምትንታን፣ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶታ ብማእከላይ ገምጋም ብ1.6% ከንቆልቁል ምዃኑ ገምጊሙ።

ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶት ኣፍሪቃ፣ ኣውራ ኣብ ንግዲ፣ ሕርሻን ዓቕሚ ሰብን ዝተመርኮሰ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ 2.58 ትሪልዮን ዶላር ክበጽኽ ከምዝኽእል’ዩ ተገሚቱ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ዓመታዊ ብገምጋም ብ3.6% ዕብየት ከርኢ ዝጸንሐ ሓፍሻዊ ዘቤታዊ እቶት እዛ ኣህጉር ፣ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዕብየቱ ብኣስታት ፍርቂ ክጎድል’ዩ።

55 ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣስታት 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ።

ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶት ውልቀሰባት ድማ ብገምጋም 1970 ዶላር ይበጽሕ። እዚ ወርሓዊ ክግምገም እንከሎ 164 ዶላር ምዃኑ’ዩ።

ብመሰረት ኣዚ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዘቕረብዎ ገምጋም፣ መዓልታዊ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶት ዜጋታት እዛ ኣህጉር፣ ኣስታት 5 ዶላር’ዩ ዝበጽሕ።

ኣብ ሓያሎ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ መዓልታዊ እቶት ዜጋታተን ካብ 2 ዶላር ዝሓለፍ ከምዘይኮነ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ሰነዳት ባንክ ዓለም

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0