ተጣበቕቲ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል ዘቕረብዎ ክሲ ብዘይውሳነ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 10 October 2016

Israe Hi

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል ዘቕረብዎ ክሲ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዘይውሳነ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣሰጋጊርዎ።

ብሰንበት 9 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ተጋቢኡ ዝወዓለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክወስዶ ዝደሊ ዘሎ ስጉምታት ብምቕዋም ብተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበ ክሲ ርእዩ።

መንግስቲ እስራኤል ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝነጸጎም ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥርዞም ወይ ከኣ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ክዳጉኖም ካብ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ክወሃቦ’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

ካብ ወገን መንግስትን ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተወከሉ ጠበቓታት፣ ኣብቲ ጉዳይ ነዊሕ እኳ እንተተኸራኸሩ፣ ጠበቓታት መንግስቲ ምስ ደያኑ ብዕጹይ ድሕሪ ምዝርራቦ’ዩ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ብዘይ ውሳኔ ናብ ጥሪ 2017 ኣሰጋጊርዎ።

ጠበቓታት መንግስቲ ምስ ደያኑ ብዕጹይ ዘካየድዎ ዝርርብ ትሕዝቶኡ ክፍለጥ ከምዘይክኣለ’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሓቢሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣቐዲሙ’ውን ነቲ ጉዳይ ካብ መጋቢት ናብ ጥቅምቲ 2016 ከምዘጋገሮ ኣይርሳዕን።

እቲ ጉዳይ ኣብ ከተማ እዮርሳሌም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቀረበሉ፣ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ጉዳይ ስደተኛታት ተሰማዕነት ንኽረክብ ዝጽዕ ጭርሖታት ብምልዓል ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም ምንባሮም’ውን ገሊጹ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣይግብኦምን’ዩ ንዝብል መርገጺ መንግስቲ እስራኤል ዝነጽግ ውሳኔ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምሕላፉ ይዝከር።

መንግስቲ እስራኤ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥራዞም ምስ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርርባት ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0