መራኽብ ኵናት ኣመሪካ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ፈተነ መጥቃዕቲ ሚሳይል ተኻይዱለን

Radio Erena: 11 October 2016

Yemen USS

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጻብቦ ባብ ኤልመደብ፣ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ ፈተነ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ወትሃደራውያን ምንጭታት ኣመሪካ ይገልጹ።

እቲ ሑቲ ካብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ዝተወንጨፈ ክልተ ሚሳይላት፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ ዝኾነ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓለ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ሑቲ፣ ንመራኽብ ኣመሪካ ንምጥቃዕ፣ ሚሳይላት ከምዘይወንጨፈ ብምጥቃስ፣ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ነታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሑቲ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምሕጋዝ’ያ ናብቲ ንኤርትራ፣ ጅቡትን የመንን ዘዋስን ክሊ ባብ ኤልመንደብ መራኽባ ዝልኣኸት።

ሑቲ፣ ዝተፈላለየ ሓገዛት ጽዒና ናብ ዓደን እተምርሕ ዝነበረት HSV-2 ዝዓይነታ መርከብ፣ ብ1 ጥቅምቲ ኣብቲ ንኤርትራ ዘዋስን መጻብቢ ባብ ኤልመንደብ፣ ከምዘጥቅዐ ይፍለጥ።

እታ ካበይ ከምዝተበገሰት ዘይተፈልጠት መርከብ፣ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝተዓደገት ምንባራን፣ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ከኣ ሓያሎ ካብ ሰራሕተኛታታ ከምዝቖሰሉን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተኣሚኑ’ዩ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0