ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: 10 October 2016

State of Emergency

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

እቲ ካብ ቀዳም 8 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ብፓርላማ እታ ሃገር ምሉእ ደገፍ ድሕሪ ምርክ’ዩ ናብ ውሳነ ተሰጋጊሩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓይሎ ከባቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ብዝርአ ዘሎ ናዕብን ተቓውሞታትን ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስግኣት ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን፣ መንግስቲ እንታይ ዓየንት ውሳኔታትን ስጉምታትን ክወስድ ከምዝኽእል ዛጊት ኣየነጸረን።

ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብቀጻሊ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናዕብን ተቓውሞታትን፣ ህይወት ኣማኣኢት ሰባት ክጠፍእ እንከሎ፣ 10ታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ከኣ ዓንዩ ኣሎ።

ብኢህወደግ ዝቖመ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ንስርዓት ደርግ ብምስዓር ስልጣን ዝጨበጠሉ ካብ 1991 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ኣብዚ 25 ዓመታት ናይ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ንፈለማ ግዜኡ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0