ቦትስዋና፣ ን10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዑቕባ ሂባቶም

ቦትስዋና፣ ን10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዑቕባ ሂባቶም

Radio Erena: 29 October 2015

nat t

መንግስቲ ቦትስዋና፣ ንጉዳይ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ክምርምሮ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዘሃቦም ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ነቶም ተጻወቲ ዑቅባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ንዝተረፉ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ በስገዳድ ክመልሶም ጻዕርታት እኳ እንተካየደ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራውስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)ን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዘካየድዎ ጻዕርታት ግና ጉዳዮም ክረአ’ዩ ወሲኑ።

ድሕሪ’ዚ ብኤምዲሰመን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተገብረ ጻዕሪ፣ ጉዳይ እዞም ዑቕባ ንምሕታት ዝተረፉ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ኣብ ከተማ ጋብሮን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ክኢሉ።

 

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክሳብ ዝስማዕ ናብ ኤርትራ ከይጥረዙን ጉዳዮም ድማ ክሳብ 11 ታሕሳስ ክርአይን ምውሳኑ ኣይርሳዕን።

ብሮቡዕ 28 ጥቅምቲ ካብ ቦትስዋና ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃቦም ኣረጋጊጹ።

ብኤምዲሰመ ዝቖመ ጠበቓ እቶም ተጻወቲ ነዚ ብሓበሬታ እዚ ከረጋግጾ ክኢሉ ኣሎ።

እቶም ተጻወቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከተማ ፍራንሲስታውን ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ማእከል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ቦትስዋና ከኣ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዱክዊ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክግዕዙ ምዃኖም ጠቒሰን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0