ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሶማልን ኬንያን ዑደቱ ዛዚሙ

ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሶማልን ኬንያን ዑደቱ ዛዚሙ

Radio Erena: 16 December 2018

PIA in kenyaብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሶማልን ኬንያን ዑደቱ ዛዚሙ ኣስመራ ኣትዩ።

ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ በይናዊ ውሳኔ ወሲዱ ስምምዓት ብምፍርራሙ ዝተቖጥዑ ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፋርማጆ ክሲ ኣብ ዝምስርቱሉ እዋን ዝተኻየደ ዑደት ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ጉዳይ ዞባዊ ምትእስሳርን ፖለቲካን ከምኡ’ውን ጸጥታን ሰላምን ከምዝተላዕለ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቱ’ውን ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብዛዕባ ቁጠባዊን ንግዳዊን ምትእስሳር ብዝምልከት ዘትዮም ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝኾነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

እንተኾነ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ርክብ ፕረዚደንታት ኤርትራን ኬንያን ብኣውርኡ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምንባሩ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኬንያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ዝተመስረተ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ርክብ ዓቢ ግደ ክትጻወት ከምዝጸንሐት ይግለጽ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0