ብዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተጠርተሩ ክልተ ተወላዶ ራሻይዳ ኣብ ዶብ ከባቢ ተሰነይ ተቐቲሎም

ብዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተጠርተሩ ክልተ ተወላዶ ራሻይዳ ኣብ ዶብ ከባቢ ተሰነይ ተቐቲሎም

Radio Erena: 04 August 2016

Rashaida

ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ብዘይሕጋዊ ንግዲ ንዝተጠርተሩ ክልተ ተወላዶ ብሄረ ራሻይዳ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ከምዝቐተሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ብዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተጠርጠሩ ክልተ ተወላዶ ብሄረ ራሻይዳ፣ ካብ ከባቢ ተሰነይ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ክሕዝዎም ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፣ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝተቐትሉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ምስግጋር ስደተኛታትን ገንዘብን ካብ ቁጽጽር ክልቲኦም መንግስታት ወጻኢ እናኾነ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ እዋን ጽዑቕ ሓለዋን ተፍትሽን ከምዘካየድ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ካብ ኣስመራ ክሳብ ከባቢ ተላታ ዓሸር ኣብ ዘሎ መስመረ ብውህዱ ትሽዓተ ናይ ሓለዋን ተፍትሽን ነቑጣታት ኣቑሙ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብሰንኪ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ምስግጋር ስደተኛታትን ገንዘብን፣ መንግስቲ ኤርትራ ባጤራ ናቕፋ ክሳብ ምቕያር ከምዝበጽሐ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ’ዩ።

ኣብ ዞባ ከሰላ ዝነብሩ ዘይሕጋውያን ነጋዶን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን ደላሎን ኣብ ኢዶም ዝነበረ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ብሃድሽ ባጤራ ክቕይርዎ ከምዘይክኣሉ ኣብቲ እዋን’ቲ ብሰፊሑ ተገሊጹ’ዩ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፣ ምምሕዳር ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ዝርርባት ከምዝነበሩ ይዝከር።

40 ሚእታዊ ካብ ባጤራ ናቕፋ ንኽቕየር ከምዘይተመልሰ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ’ዩ።

መብዛሕቱ እዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተወኒኑ ዝተባህለ ገንዘ፣ ካብ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግዲን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተረኽበ ምስ ምዃኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ንምግታእ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ጽዑቕ ምክትታል፣ ተፍትሽን ሓለዋን ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

ይኹን’ምበር፣ መዓልታዊ 10ታት ኤርትራውያን በዚ ዶባት እዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ይስደዱ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

===============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0