ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋትን ነዳዲን ዝተኸሱ 18 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋትን ነዳዲን ዝተኸሱ 18 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

Radio Erena: 04 August 2016

Amisom

ወትሃደራዊ ንዋትን ነዳዲን ብምሻጥ ዝተኸሰሱ 18 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ናብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ ማዕከን ዜና ሻበሌ ካብታ ኣሃገር ሓቢሩ።

ካብቶም ብሰሉስ 2 ነሓሰ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ወትሃደራት እቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ሓደ ናይ ሜጀር ማዕረግ ዘለዎ ኣባል ሰራዊት ኡጋንዳ ንሓደ ዓመት ክእሰር ክፍረድ እንከሎ፣ ናይቶም ካልኦት ጉዳይ ግና ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ።

ካብ ኡጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ኢትዮጵያን ዝተዋጽአ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2007 ናብ ሶማል ካብ ዝዋፈር፣ ንወትሃደራቱ ሓያሎ ክሲታት ክቐረበሎም እኳ እንተጸንሐ፣ ብገበን ዝተኸሱ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዚ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።

 

እዞም ብመሸጣ ኣስታት 15 ሽሕ ሊትሮ ዝግመት ነዳዲን ወትሃደራዊ ንዋትን ዝተኸሱ 18 ወትሃደራት እቲ ዓቃብ ሰላም፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ’ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ሶማል ካብዘን ሓሙሽተ ሃገራት ዝተዋጽአ ልዕሊ 30 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተዋፊሩ ይርከብ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነዚ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ 2020 ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ከውጽኦ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0