ብኣፈኛ ፓርላማ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

ብኣፈኛ ፓርላማ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 24 Novermber 2014

Djibouti Iran

ብኣፈኛ ፓርላማ ዶክተር ዓሊ ላሪጃኒ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ኣብ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ ምስ ፕረዝዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ኣብ ጉዳይ ወደብን ጸጥታ ባሕርን ምትሕግጋዝ ብዛዕባ ዝግበረሉ ነጥበታት ዘትዮም።

ጅቡቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ምዃና ኢራን ከምእትኣምን ዝጠቐሰ ዝጠቀሰ እቲ ልኡኽ፣ ካብዚ እምነት እዚ ብዝነቐለ ኸኣ ምስ ጅቡቲ ኣብ ቁጠባን ካልእ ጉዳያትን ዘተኮረ ዝምድና ምስፍሑ ኣድላዩ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ጅቡቲ ዓሊ ባሕረይኒ ብወገኑ፣ ዕላማ ዑደት’ቲ ልኡኽ፣ ነቲ ኢራን ምስ ጅቡቲ ክህልዋ እትደልዮ ጥቡቕ ዝምድና መንገዲ ንምጥጣሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ፣ ብዓርቢ 21 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ጽምብል ምንባር እምነ-መሰረት ናይቲ ጅቡቲ ክትሃንጾ ወጢና ዘላ ሓድሽ ወደብ’ውን ተሳቲፉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስሞኦ መደረ ኸኣ፣ ኢራን ምስዛ ኣብ ንግዲ ዓለም ኣገዳሲ ኣፍደገ እትውንን ጅቡቲ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለዋ ንግድን ዲፕሎማስን ናይ ምስፋሕ መደብ ከምዘለዋ ኣንፊቱ።

ጎረቤት ወደብ ዓሰብ ዝኾነ ወደብ ጅቡቲ፣ ጽዑቕ ዞባውን ኣህጉራውን ኣገልግሎት ወደብ ይህብ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ኣገልግሎታት ኣብቲ ወደብ ንዘጋጥም ዘሎ ሕጽረታት ንምውጋድ ነቲ ወደብ ናይ ምስፋሕን ተወሳኺ ሓድሽ ወደብ ኣብ ምህናጽን ኣተኩሩ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ጅቡቲ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶታ ካብ ኣገልግሎት ወደብ ትረኽቦ ምህላዋ ጸብጻባት የመልክቱ።
===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0