ብኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ፣ ካብ ኣድማሳዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ከምእተሰጕ ተገሊጹ

ብኣማሓዳሪ ናይታ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ቆይማ ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ከርስትያን ኤርትራ ኣቶ ይፍታሄ ድሜጥሮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ዝተጋብአ ዓመታዊ ኣድማሳዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ከይሳተፍ ከምዝተኣገደ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

 

ተዋህዶ ዶት ኦርግ ኣስፊርዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ካብ 30 ጥቕምቲ ክሳብ 8 ሕዳር ዝተኻየደ ብኖክፌሽናል ሚቲንግ ዝፍለጥ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ፣ ኣቶ ይፍታሄ ዝመርሖም ጳጳሳት ንምሳተፍ እኳ እንተፈተኑ፣ እቲ ሕብረት፣ ሕቶ ናይቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ወግዓዊ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስታን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብምልዓል፣ ካብቲ ኣኼባ ከምዝሰጎጎም የመልክት።

ኣቶ ይፍታሄ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቀይዲ ከምዘየለዊን መነባብርኦምን ሕክምንኦምን ይከታተሎ ከምዘሎ ክገልጽ እኳ እንተፈተነ፣ መራሒ እቲ ጉባኤ ሊቀ ጳጳሳት ንመግለጺ እቲ ልእኽ ከምዝነጸግዎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይሕብር።

ንኣቶ ይፍታሄን መሪሕዎም ዝመጸ ጳጳሳትን ብህጹጽ ክወጹ ዝኣዘዘ እቲ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ሃዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ ጸዊዑ። እዚ ክሳብ ዝትግበር ድማ እትትቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝምመሓደር ዘሎ ምምሕዳር ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ዋዕላታትን ጉባኤታትን ከይሳተፍ ኣጊዱ።

ዝኾነ ናይ ክህነትን ሃይማኖታዊ ኣገግሎትን መዝነት ዘይብሉ፣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ኣቶ ይፍትሄ ድሜጥሮስ፣ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ክከታተልን ከመሓድርን ዝተመዘዘ’ዩ።

ንሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ቐይዲ ብምእታዉ ብዘይ ኣገባብን ሕጊ ቤተክርስትያን ብምጥሓስን ንኣቡነ ዲዮስቖሪስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ዝመዘዘ ህግደፍ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትህቲ ቁጽጽሩ ኣውዲቕዎ ከምዘሎ ይንገረሉ።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ድማ እታ ቤተ ክርስትያን፣ ኣብቲ ህግደፍ እትመሓደረን ካብ ምትእትታው ህደፍ ናጻ ዝኾነተን ተባሂላ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ትርከብ።

እቶም ህግደፍ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ብምጥሓስ ካብ ሃዋርያዊ መንበሮም ዝኣለዎም ኣቡነ እንጦንዮስ ፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከቡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኮይኑ፣ ህግደፍ ነቶም 73 ዓመት መሊኦም ዘለዎ ሃይማኖታዊ ኣቦ ግብእ ሕክምናን ምክንኻንን ከይግበረሎም’ውን ከምዝኸልከለ’ዩ ዝንገረሉ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0