ብስዑዲ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን፣ ነቲ ሓደ እዋን ምስ ኤርትራ ዘሰሓሓበ ደሴታት ሓኒሽ ተቖጻጺሩ

ብስዑዲ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን፣ ነቲ ሓደ እዋን ምስ ኤርትራ ዘሰሓሓበ ደሴታት ሓኒሽ ተቖጻጺሩ

Radio Erena: 11 December 2015

hanish

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን፣ ነታ ሓደ እዋን ምስ ኤርትራ ኣሰሓሒበን ዝነበራ ደሴታት ሓኒሽ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ስትራቴጅያውያን ደሴታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ ከምዝጸንሐ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ግና ካብ ሑቲ ካብ ሓኒሽ ከምዝለቀቐ ኣረዲኤን።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓበየት ደሴት ዝኾነት ሓኒሽ፣ ኣብ ኣውራ መስመር ናይቲ መራኽብ ዓለምና ዝመላለሳሉ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ’ያ ትርከብ።

 

ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ወደብ ሖዴዳን ደሴታት ሓኒሽን ምቁጽጻሩ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝርከብ ክሊ ማያት የመን ብምስርሳር፣ ካብ ግዳም ዘምጽኦ ኣጽዋር ይኹን ሎጂስቲካዉ ናውቲ ብዘይ ጸገም ከእቱ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝግለጽ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን፣ ንሑቲ ኣቀዲሙ ካብ ወደብ ሖዴዳ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከኣ ደሴት ሓኒሽ ክጸርጎ ምኽኣሉ፣ ንሑቲ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ’ዩ ዝግምገም።

እቲ ኪዳን፣ ኣብዚ ናብ ኤርትራ፣ ከባቢታት ዓሰብን በይሉልን ቅርበት ዘለዎ ዴሴታት ሓኒሽ ዘካየዶ ወትሃደራዊ ስርሒት፣ ካብታ ምስቲ ኪዳን ወጊና ዘላ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝረኸበ ኣይተነጸርን።

ይኹን’ምበር ወትሃደራውያን መራኽብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ከምዝተራእያ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0