እስራኤል ንሲናይ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምሕጻራ፣ 200 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብታ ሃገር ኣትዮም

እስራኤል ንሲናይ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምሕጻራ፣ 200 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብታ ሃገር ኣትዮም

Radio Erena: 10 December 2015

Israel Fen

እስራኤል፣ ነቲ ምስ ሲናይ ዘዳውባ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ብሓጹር ድሕሪ ምዕጻዋ፣ 200 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ሱዳን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ነቲ ኣስታት 6 ሜትሮ ዝውንሓቱ ሓጹር ብመሳልል ተሓጊዞም ድሕሪ ምስጋር ብኡ ንብኡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል’ዮም ኣትዮም።

ሓያሎ ካብኣቶም ካብቲ ሓጹር ንምዝላል ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብዝወረዶም ጉድኣት፣ ንሕክምናዊ ረዲኤት ኣብ ባር- ሸቫ ናብ ዝርከብ ሶሮካ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

 

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2,900 ስደተኛታት ካብ ኣስራኤል ክወጹ እንከለዉ፣ በንጻሩ 211 ስደተኛታት ከኣ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክኢሎም።

እስራኤል፣ ኣብቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ሖሎት ናይ ዝቀየደቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝሒ ናብ 3,360 ክብ ክብል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እስራኤል፣ ዶባታ ብሓጹር ድሕሪ ምዕጻዋን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከኣ ብእትኽተሎ ዘላ ፖሊስን፣ ናብታ ሃገር ናይ ዝኣቱ ብዝሒ ሓተቲ ዑቅባ ናብ ዜሮ ከምዘውረደቶ’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

እዞም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣስታት 200 ስደተኛታት ከኣ ብሰንኪ ድኽመት ሓለዋ ዶባት ግብጺ ምዃኑ’ያ ትጠቕስ።

ሓለዋ ዶባት ግብጺ፣ ምስቶም ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ዘለዉ ዕጡቓት በደው ኣብ ግጭት ንኸይኣትዉ፣ እቶም ስደተኛታት ብመሳልል ነቲ ሓጹር እናሰገርዎ፣ ብስቕታ ከምዝተዓዘቡ’ውን ትነቕፍ።

ሓለዋ ዶባት ግብጺ ናብ እስራኤል ንምስጋር ዝወጠኑ 15 ዜጋታት ሱዳን ድሕሪ ምቕታሎም፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ኣትያ ከምዝቐነየት ይፍለጥ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0