ብሰንኪ ሞት ፕረዚደንት ቻድ ንሓደ ሰሙን ዝተደናጎየ ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ’ቲ ምስ ኢትይጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ተኻይዱ

Radio Erena: 04 May 2021

መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ዘትዮም።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ብ4 ግንቦት ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ሱዳን፣ ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስልታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ምስሕሓብ ማእከላይ መርገጺ ክሕዝብ’ዩ’ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ዝገለጹ ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ንምዝርራብ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ 28 ሚያዝያ ኣብ ካርቱም ክራኸቡ ምዃኖም ኣቐዲሞም ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም’ዮም።

እንተኾነ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብሃንደበት ዝሞተ ፕረዚደንት ቻድ፣ እድሪስ ደቢ፣ ንምስታፍ፣ ናብታ ሃገር ስለዘምርሐ፣ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሓደ ሰሙን ከምዝተደናጎየ ኣረዲኦም።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብዘይካ’ቲ ብጉዳይ ናይል ተፈጢሩ ዘሎ ንዓመታት ዝቐጸለ ዘይምርድዳእ፣ ካብ 6 ሕዳር 2020 ጀሚሩ’ውን ኣብ ዶባተን ናብ ኵናት ዘምርሐ ምስሕሓብ ተኸሲቱ ይርከብ።

ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዶባት፣ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ወፊሩ ከምዘሎ፣ ምንጭታት ሱዳን ይጠቕሱ’ዮም።

ኣብ ኵናት ትግራይ ብሓባር ዝሳተፉ ዘለዉ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ግንባር ሱዳን’ውን፣ ኣብ ስለያን ካልእ ወትሃደራዊ ምስጢራትን ርክባት ክህልዎም ከምዝኽእል ሱዳን ስግኣት ከምዘለዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።

መንግስቲ ሱዳን ግና ብወግዒ ኣይገለጸን።

ምስ ሱዳን ወጊኑ ዝርከብ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ብዛዕባ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓባትን ወጥርን ብዝምልከት ንምዝታይ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ወይ መጋቢት ናብታ ሃገር ንምብጻሕ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዘሰጋገሮ ዲፕሎማስያውያን ኣቐዲሙ ተመልኪቱ’ዩ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0