ኡጋንዳ፣ ወዱ ንፕረዚደንት ሙሴቬኒ ዝርከቦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሲ ተመስሪትሎም

ወዱ ንፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ልዩተናንት ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ዝርከቦም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሲ ከምዝተመስረተሎም ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ብስድራቤታት ናይቶም፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኡጋንዳ፣ ድሕሪ ምእሳሮም ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ኣብ ማእሰርቲ ናይ ዝተሳቐዩን ዜጋታት ኡጋንዳ ዝተወከሉ ጠበቓታት’ዮም ነቲ ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦሞ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ዝነበሩ፣ ቦቢ ዋይንን ሮበርት ኩላጉያኒን፣ ሓልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝፈጸምዎ ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቶም፣ ኣቐዲሞም ንዘቕረብዎ ክሲ ይምርምሩ ከምዘለዉ እቲ ማዕከን ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቐብር ዘኽእሎ ቅጥዕታት እንተማሊኡ ድማ፣ ክሱሳት ጉዳዮም ንምጽራይ ናብቲ ቤተ ፍርዲ ክቐርቡ ክሕተቱ ተኽእሎ ኣሎ።

ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ‘ተዓዊተሉ’ ኣብ ዝበሎ ምርጫ 2021፣ ሓይልታት ጸጥትኡ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቐተሉ’ዩ ዝውቀስ።

ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ንወዲ 47 ዓመት ቦኽሪ ወዱ፣ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ብምሃብ፣ ኣብ 2017 ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ሓለዋ ቤተ መንግስትን ኣገደስቲ ትካላት መንግስትን ዝተዋፈረ ፍሉይ ሓይሊ ክኸውን ከምዝመዘዞ ይግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0