ትዓርፈሉ ወደብ ስኢና ዝጸንሐት፣ 450 ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓነት መርከብ ሲቺልያ ኣትያ

Radio Erena: 05 May 2021

ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ብነኣሽቱ ጀላቡ ክሰግሩ ንዝፍትኑ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት፣ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ከየጋጥሞም ሓለዋን ምክትታልን ዝገብር ማሕበር ግብረሰናይ ‘ሲ ዋች’ (Sea-Watch)፣ ካብ ባሕሪ ዘድሓኖም 450 ሰባት ናብ ኢጣልያ፣ ዞባ ሲቺልያ ኣትዮም::

‘ሲ ዋች’ ነቶም ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ንኣሽቱ ጀላቡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝኣከቦም ኮይኑ፣ ዘድሓነቶም መርከብ መጸግዒ ወደብ ከናድየላ’ዩ ጸኒሑ::

‘ሲ ዋች’ ኤውሮጳውያን ሃገራት ወደባተን ክኸፍታሉ ዝገበሮ ጻውዒት ግብረመልሲ ስኢኑ’ኳ እንተነበረ፣ድሒሩ ግን ሰብ-መዚ ሲችልያ ነቲ ፍቓድ ከምዝሃበኦ ተፈሊጡ::

እቶም ህጻናት፣ ደቂንስትዮን ብዘይኣላዩ ዝመጹ ቆልዑን ዝርከብዎም፣ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ስደተኛታት፣ መርመራ ኮሮና ቫይረስ ክግበረሎምን ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ክጸንሑን ምኳኖም ‘ሲ ዋች’ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ገሊጹ::

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0