ብሪጣንያ ወትሃደራታ ናብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ከተዋፍር ጀሚራ

ብሪጣንያ ወትሃደራታ ናብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ከተዋፍር ጀሚራ

Radio Erena: 03 May 2016

UK

ብሪጣንያ 10ታት ወትሃደራታ ናብ ሶማል ኣዋፊራ።

እቶም ኣብ ስልጠና፣ ወትሃደራዊ ስለያን ካልእ ንጥፈታትን ዝዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ብሪጣንያ፣ ትማሊ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣትውሉ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ድሙቕ ኣቐባብላ ከምዝገበርሉ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የረድእ።

ብሪጣንያ ናብ ሶማል ናይ እተዋፍሮም ብዝሒ ወትሃደራት 70 ጥራይ ምዃኖም’ያ ትገለጽ።

 

ኣልሸባብ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብሪጣንያ ናብ ሶማል ዝልኣኸቶም ወትሃደራት፣ ኣብ ልዕሊ መኦኣስከራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕታት ከካይድ ምዃኑ ባግኡ መጠንቐቕታታት ይቐርብ ኣሎ።

ብሪጣንያ፣ ብዘይካ’ቶም ናብ ሶማል ዝዋፈሩ ናብ ደቡብ ሱዳን’ውንኣስታት 300 ወትሃደራት ክትልእኽ ምዃና ኣረጋጊጻ’ላ።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0