ኣብ ኤርትራ ተዓቝቦም ዝጸንሑ 37 ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምጥያሳ ስሎቫክያ ኣትዮም

ኣብ ኤርትራ ተዓቝቦም ዝጸንሑ 37 ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምጥያሳ ስሎቫክያ ኣትዮም

Radio Erena: 03 May 2016

Emk

ኣብ ኤርትራ ተዓቝቦም ዝጸንሑ 37 ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምጥሳ ናብ ስሎቫክያ ከምዝኣተዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ 2 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝተጣየሱ ሶማላውያን፣ ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምስጋሮም ተወሳኺ ምጽራይ ንኽግበረሎም ብ14 ሚያዝያ ናብ ስሎቫክያ ከምዝኣተዉ እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ የመልክት።

እቶም ሶማላውያን፣ ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምስጋሮም፣ ተወሳኺ ምጽራያት ንኽግበረሎም ኣብ ስሎቫክያ ንኣስታት ሹድሽተ ወርሒ ክጸንሑ’ዮም።

 

ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ 281 ስደተኛታት ሶማል ካብ ኤርትራ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጣየሱ እንከለዉ፣ እቶም 132 ናብ ኣውስትራልያ፣ 58 ናብ ስሎቫክያ፣ 54 ከኣ ናብ ካናዳ ከምዝገዓዙ መግለጺ እቲ እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ይሕብር።

ኣብ ከባቢ ወደብ ባጽዕ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኡምኩሉ ተዓቝቦም ዝርከቡ ልዕሊ 2, 500 ሶማላውያን ስደተኛታት መብዛሕቶም ንልዕሊ 18 ዓመታት ብዘይዝኾነ ናይ ምጥያስ ተስፋ’ዮም ክነብሩ ጸኒሖም።

ኣብቲ ምስ ጅቡቲ ዘዳውብ ከባቢታት ኤርትራ’ውን ሖል ሖል ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ሶማል ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0