ብሩንዲ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከየስግኣ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ

Radio Erena: 21 May 2020

ብሩንዲ፣ ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝጸንሐ ፕረዚደንት ፒየኽ ኑኩሩንዚዛ ንምትካእ፣ ትማሊ ረቡዕ 20 ግንቦት ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ።

ኣስትታት 11 ሚልዮን ካብ ዝብዝሑ ህዝቢ ብሩንዲ፣ እቲ ከድምጽ ዝተመዝገበ ኣስታት 35% ፣ ኣብ ልዕሊ 14,700 መድመጺ ነቑጣታት ድምጹ ክህብ ውዒሉ።

ነቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ንምትካእ ሸውዓተ ሕጹያት’ዮም ተወዳደርቲ ኮይኖም ቀሪቦም።

እንተኾነ ክዕወቱ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ቆላሕታ ዝተዋህቦም ሕጹያት፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሐ ሰልፊ ዝተወከለ ኤቫሪስት ዳያሺሚን መራሒ ዓብላሊ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣጋታ ርዋሳን’ዮም።

ውጽኢት ምርጫ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ብወግዒ ክንገር’ዩ። ልዕሊ 50% ናይ ደገፍ ድምጺ ዝረኸበ ተወዳዳሪ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ብሩንዲ ኮይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም’ዩ።

ጎስጓስ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ 27 ሚያዝያ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ብሩንዲ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ግጭት ከምዝተጎሃሃረን ልዕሊ 33 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ድማ ካብ ቤት-ንብረቱ ከምዝተመዛበለን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ብሩንዲ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከም ምኽንያት ከየቕረበት፣ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ምውሳና፣ ህዝቢ ንለውጢ ዝጸንሖ ባህጊ ዘንጸባርቕ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ኣረዲኦም።

ይኹን’ምበር፣ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብሩንዲ፣ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ግምት ከየእተዉ ከካይድዎ ንዝጸንሑ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ብወግዒ ዝነቐፈ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብታ ሃገር ተሰጕጉ’ዩ።

ብሩንዲ፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ብዝሒ ሰባት 42 ክበጽሕ እንከሎ ሞት ናይ ሓደ ሰብ ድማ መዝጊባ ኣላ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት፣ ኣብ ኣስታት 22 ሃገራት፣ ሓፈሻውን ዞባውን ምርጫታት ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተሎ፣ ሓያሎ ሃገራት ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣማኻንየን ክስርዝኦ ወይ ከናውሕኦ ከምዝኽእላ ኢትዮጵያ ቀዳማይቲ ኣብነት ኮይና ኣላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0