ቻይና፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ግዙፍ ድፋዕ ምህናጻ መጽሔት ፎርብስ ገሊጹ

Radio Erena: 20 May 2020

ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ግዙፍ ድፋዕ ወይ ውትሃደራዊ ግንቢ ትሃንጽ ከምዘላ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ መጽሔታት ዓለምና ዝኾነ ፎርብስ ገሊጹ።

እቲ ግንቢ፣ ኣብ 2016 ክህነጽ ከምዝጀመረ ዝሓበረት እታ መጽሔት ኣብ 2017 ድማ ምዝዛሙ ሓቢራ።

መራሕቲ ቻይና ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህንጻ ኣብ 2013 ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ድሕሪ ዝገበረዎ ስምምዕ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ወትሃደራት ቻይና ናብታ ሃገር ተዋፊሮም ይርከቡ።

እንተኾነ፣ ቻይና፣ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝደኮነቶ መዓስከር፣ ብዝያዳ ከተስፍሖን መደባርት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ክህልዎ ምዃኑን’ያ ጠቒሳ።

መጽሔት ፎርብስ ኣብ 15 ግንቦት ብዘስፈረቶ ዓንቀጽ መሰረት፣ ቻይና ኣብ ጂቡቲ ዝሃነጸቶ ግንቢ፣ ዘመናዊ ቅዲ ዘማልአን ክልተ ደጌታት ዘለዎን ኮይኑ፣ ከባቢኡ’ውን ንትሪኮላታ ዝተሓጸር’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሚሳይላትን ከበድቲ ብረታትን ዝተጸምደሉ ምዃኑ እታ መጽሔት ኣመልኪታ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ናይ ወጻኢ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዘለዋ ሃገር’ያ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ናይ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ካልኦት ወትሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለወን ይፍለጥ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0