ብምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 12 March 2020

ብምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ብሓሙስ 12 መጋቢት ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ብዝምልከት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተላእከ ደብዳቤ ኣብጺሑ።

እቲ ልኡኽ ብዘይካ’ዚ፣ ምስ ሚኒስተር ምክልኻልን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍርን ዝርከብዎም ላዕለዎት ወትሃደራዊ ሰበ ስልጣን ሱዳን ብምዝታይ፣ ንክልትኤን ሃገራትን ጎረባብተንን ኣብ ዝምልከት ወትሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ተመያይጦም።

ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኻ ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ፣ ሱዳን፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ብዝምልከት ግብጺ ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንዘቕረበቶ እማመ ዘለዋ ተቓውሞ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።

ንነዊሕ እዋን ንመርገጺ ኢትዮጵያ እትድግፍ ዝነበረ ሱዳን፣ ድሕሪ ምእላው ስርዓት በሺር ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ንመርገጺ ግብጺ ከምዝድግፍ’ዩ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ’ቲ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ንረብሓ ግብጺ ከምዝድግፍ ዘሕለፎ ውሳኔ ግና፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን በዚ ጉዳይ እዚ ክቐራረባ ከምዝኽእላን፣ ንዕኡ ንምድጋፍ ድማ ኣብ ወትሃደራውይን ጸጥታውያን ጉዳያት ክተሓጋገዛን ዝብል ነጥብታት ዝሓቖፈ’ዩ ዕላማ ዑደት ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝብሉ ተንተንቲ’ውን ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0