ኢንዱስትሪ መሸጣ ኣጽዋር ቸክ ሪፖብሊክ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዕዳጋ ንምርካብ ዝዓለመ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 12 March 2020

ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን መዓላታት ዘገልግል ንዋት ዘፍርያ ኩባንያታት ቸክ ሪፖብሊክ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዕዳጋ ንምርካብ ዝዓለመ ዑደት ኣካይደን።

ብምክትል ሚኒስተር ምክልኻልን፣ ኢንዱስትሪ ኣጽዋርን ቶማስ ኮብዘኒ ዝተመርሐ ልኡኽ ቸክ ሪፖብሊክ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እተን ሃገራት፣ ኣብ መሸጣን ምትሕግጋዝን ወትሃደራዊ ንዋት ዘተኮረ መዘክር ከምዝኸተመ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቀደም ቸኮዝላቫክያ ናይ ሎሚ ቸክ ሪፖብሊክ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ዘተኮረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ርክብ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ እታ ኣብ መሸጣ ፈኵስቲ ጠበናጁ፣ ታንክታትን ተተኮስትን ብዝያዳ ከምእተተኩር ዝንገረላ ቸክ ሪፖብሊክ፣ ናብ ጂቡቲ ከተቛምት ንመጀመርያ እዋና ምዃኑ ወትሃደራውያን ጸብጻባት የረድኡ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ’ዚ ምስ ፈረንሳ ብወገዒ ዝኸተመቶ፣ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪን ምሕያል ሓይሊ ኣየርን ዘተኮረ ስምምዕ፣ ምስ ሩስያን ካልኦት ሃገራት’ውን ሓያሎ ወትሃደራዊ ውዕላት ተካይድ ከምዘላ’ዩ ዝንገር።

ብባህርያዊ ደርቂን ብልሹው ምሕደራ ዝመንቀሊኡ ድኽነትን፣ ንግሎባዊ መዐቀኒታት ምዕባለ ከማልእ ዘይክኣለ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሓደ ካብቲ ዝዓመረ ዕዳጋታት ኣጽዋር ዘለዎ ዞባ ምዃኑ ይጥቀስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0