ስዑዲ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኮረና ቫይረስ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት መገሻታት ደው ኣቢላ

Radio Erena: 12 March 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኮረና ቫይረስ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ኣስታት 50 ሃገራት፣ መገሻታት ደው ክብል ኣዊጃ።

እታ ሃገር፣ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዝርከብአን ሓያሎ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእየለን ሃገራት፣ ኣብ ዝርዝር ከተእቱ እንከላ፣ ዛጊት ምልክትታት እቲ ሕማም ናብ ዘይተራእየን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያን ኬንያን መገሻታት ደው ከተብል ዝወሰነትሉ ምኽንያት ኣየነጸረትን።

ገያሾ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፣ ብዛዕባ ዝገሹለን ሃገራት ይኹን ኩነታት ጥዕንኦም ቅኑዕ ሓበሬታ እንተዘይህቦም ድማ ኣስታት 133 ሽሕ ዶላር መቕጻዕቲ ክትብይን ምዃና እታ ሃገር ኣጠንቂቓ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ዛጊት 45 ሰባት ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራእዮም ጸብጻባት ሕክምና የመልክቱ።

ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ብሰንኪ ስግኣት እዚ ብደረጃ ዓለም ዝላባዕ ዘሎ ሕማም፣ ምንቅስቓሳት ዜጋታት ክድርታ’የን ዝርኣያ ዘለዋ።

ኤርትራ፣ ካብ ቻይና፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኢጣልያን ኢራንን ንዝመጹ ገያሾ ክትውሽብ ምዃና እኳ እንተገለጸት፣ ብዛዕባ ካብን ናብ ሃገራት ዝግበር መገሻታት ደው ምባል ግና ኣየፍለጠትን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0