ብምስግጋር ወትሃደራዊ ንዋት ናብ ኤርትራ ዝተጠርጠረ ኤርትራ ዝመበቖሉ ዜጋ ነርወይ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ

ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ዜጋ ነርወይ ብምስግጋር ወትሃደራዊ ንዋት ናብ ኤርትራ ተጠርጢሩ መርመራ ከምእተኻየደሉ ማዕከን ዜና ነርወይ NRK ገሊጹ።

 

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ናይ ነርወይ ዜግነት ጸለዎ ኤርትራዊ፣ ካብ ሰራዊይ ነርወይ ዝሸመተን ወትሃደራውያን መካይን ብመንገዲ ጀበል ዓሊን ዱባይን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ከምዘእተወን’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ከምዝተኻየደሉ ዝሓበረ እቲ ናይ ነርወይ ማዕከን ዜና፣ እቲ ውድብ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕቲ ካብ ሰራዊት ነርወይ ተሸሚተን ናብ ኤርትራ ተሸይጠን ናይ ዝበለን 17 ወትሃደራውያን መካይን ስእሊ’ውን ኣቕሪቡ ኣሎ።

እተን ወትሃደራውያን መካይን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተሸጣሉ እዋን ዝነበረን ወትሃደራዊ ሕበሪ ተቐይሪ ሲቪላዊ ሕበሪ ከምዝተለኽያ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ውን እተን ናብ ዱባይ ዝተላእካ ወትሃደራውያን መካይን ነርወይ ናይ መወዳእታ መዓልብኦን ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ደምዲሙ።

ኣብቲ ጉዳይ ኣውራ ተጠርጣሪ ዝኾነ ኤርትራ ዝመበቖሉ ኔርወጂያዊ ዜጋ ድማ ብፖሊስ እታ ሃገር መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።።

ነቲ መርመራ ዘካይድ ዘሎ ፖሊስ ነርወይ’ውን ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓበሬታ ይእክብ ምህላዉ ገሊጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0