ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሃብቲ ዓሳ ዘትየን

ኤርትራ እትርከበን 11 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሃብቲ ዓሳ ዘተኮረ ዋዕላ ኣከይደን።

እቲ ብ10 መስከረም ኣብ ካምፓላ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ፣ ኣብ ዞባ ኣፍሪቃን ካሪብያንን ንዘሎ ሃብቲ ዓሳን ምሕደርኡን ዘተኮረ’ዩ።

እቲ ዋዕላ ብኮሚሽን ኤውሮጳ ዝተመወለ ኮይኑ ከም መቐጸልታ ናይቲ ውሕስነት መግቢ ሓያሎ ሃገራት ንምርግጋጽ ኣብ 2009 ዝተኣታተወ መደብ’ዩ።

 

ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ዘለወን ንኣሽቱ ሃገራት ሰኣን ግቡእ ምሕደራን ኣጠቓቕማ ዓሳን፣ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጻ ከምዘይክኣላ’ዩ ዝሕበር።

ናብ ውሽጢ ሃገርን ንሰደድ ንወጻእን ዝዓለም ኢንዱስትሪ ዓሳ ምትእትታው፣ ከም ኤርትራን ጅቡትን ዝኣመሰላ ብደርቂ ዝልለያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት፣ ዓሳ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ውሕስነት መግቢ ክኸውን’ዩ ዝግብኦ።

እንተኾነ ኣብዘን ሃገራት ዓሳ ዝምገብ ህዝቢ እቲ ዝወሓደ’ዩ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0