ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምትሓዝ ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ዝርርብ ኣካይደን

ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ እቲ ገና ፍታሕ ዘይረኸበ ምትሓዝ ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ዝጀመረዎ ዝርርብ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

 

በዚ መሰረት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን መሓመድ ሳለም ባሲንድዋ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ የመን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝዓደሞ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም ወገን ኣብቲ ብሰንበት 8 መስከረም ኣብ ሰንዓ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዘሎ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝፍትሕሉ መንገድን ንመጻኢ ድማ ተመሳሳሊ ጸገም ከየጋጥም ንምግትእ ዘሎ ተኽእሎታት ኣመልኪቶም ሓያሎ ነጥብታት ኣልዒሎም።

መንግስቲ ኤርትራ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ይሕዝ ኣሎ ክትብል የመን ብተደጋጋሚ እዋን’ያ ትኸስስ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ድማ ልዕሊ 200 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ።

ይኹን’መብር መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምህብ ተቖጢቡ ይርከብ።

ኣቐዲሙ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተመሳሳሊ ነጥቢ ዘተኮረ ዝርርብ ኣብ ኣስመራ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0