ብሚ/ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ናብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 05 August 2019

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ኢማኑኤላ ደል ረን ሚኒስተር ምክልኻል ኤሊዛቤታ ትረንታን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ጅቡቲ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኢጣልያ ብ30ን 31ን ሓምለ ናብ ጅቡቲ ዘካየዶ ዑደት፣ ብዛዕባ’ቲ ኢጣልያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተካይዶ ወትሃደራዊ ተልእኾታትን ምስ ጅቡቲ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝን ብዝምልክተ ንምዝታይ’ዩ።

እቲ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲን መሓመድ ዓሊ ዮሱፍን ሚኒስተር ምክልኻል ሓሰን ዑመር መሓመድ ቡራንን ብምርኻብ ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ኢጣልያ፣ ናብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ፣ ኣብ ጸጥታን ምቁጽጻር ዘይሕጛዊ ስደትን ዘተኮረ ወትሃደራዊን ሲቪላውያን ስልጠናታት ዝወሃበሉ ማእከል፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጅቡቲ ምኽፋታ ይፍለጥ።

ልኡኽ ኢጣልያ ኣብዚ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ’ውን ነቲ ንጥፈታት ተዓዚቡ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝሰልጠኑ ኣባላት ሓለዋ ገምጋም ባሕሪ ጅቡቲ ተሳቲፉ።

ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን’ውን፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ተመሳሳል መደባት ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0