ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ወትሃደራዊ ጉጅለን ተቓወምቲ ወገናትን ናይ መወዳእታ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 05 August 2019

ኣብ ሱዳን፣ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋሩ ዘኽእል ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ።

ድሕሪ ምእላይ ኣል በሺር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፣ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ካብ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ምስ ዝተዋጽአ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ መሰናኽል ክገጥሞ’ዩ ጸኒሑ።

ብፍላይ ድሕሪ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ዘተ ከይቋረጽ ተሰጊኡ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፣ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም፣ ቅዋማዊ ኣዋጅ ኣብ 17 ነሓሰ ክኽትሙ ትጽቢት ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ምብጽሑ ሓጎሱ ክገልጽ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዝርከበአን ሃገራት ዓረብ ድማ፣ እቲ ናይ መሰጋገሪ መድርኽ፣ ንቱርኪን ቀጠርን ናብ ሱዳን ዝዕድም ከይከውን ስግኣተን ይገልጻ።

ብመሰረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ሰለስተ ዓመት ሓፈሻዊ ምርጫ ሱዳን ክሳብ ዝካየድ፣ ካብ ክልቲኦም ጉጅለታት ዝተዋጽኡ 10 ሰባትን ሓደ ዘይሻራዊ ዜጋን ዝሓቖፈ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክህሉ’ዩ።

እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ን21 ኣዋርሕ ብወትሃደራዊ ጀነራል ክምራሕ እንከሎ፣ ድሕሪኡ ዘሎ 11 ኣዋርሕ ድማ ካብ ሲቪላዊ ወገን ክርከቦ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0