ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን በጺሑ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 16 January 2018

ethio

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንበት 14 ጥሪ ኣብ ካርቱም ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚስተር ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ኣብጺሑ።

ንሱ ብተወሳኺ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኢብራሂም ጋንዶር ብምርኻብ ብዛዕባ እዚ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብዝምልከት ዘትዩ።

ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ተወሳኺ ሰራዊት ምውፋራ ኣፍሊጡ።

ሱዳን ብምኽንያት እዚ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዝተዋፈረ ሰራዊት ግብጽን ኤርትራን ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘለዋ ብወግዒ’ያ ትገልጽ ዘላ።

ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ብወግዒ ከምዝዓጸወት ዘፍለጠት ሱዳን፣ ብኡ ንብኡ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኻ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰደደት ይዝከር።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓደ ሰሙን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ርክባት ከካይዱ እዚ ናይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0