ሱዳን፣ ኣምባሳደራ ካብ ግብጺ ዝሰሓበት፣ ኵናት ንምእዋጅ ትዳሎ ስለዘላ’ዩ ንዝብል መግለጺ ነጺጋቶ

ሱዳን፣ ኣምባሳደራ ካብ ግብጺ ዝሰሓበት፣ ኵናት ንምእዋጅ ትዳሎ ስለዘላ’ዩ ንዝብል መግለጺ ነጺጋቶ

Radio Erena: 16 January 2018

sudan

ሱዳን ኣብ ግብጺ ዝነበረ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ዝጸውዓቶ፣ ምስ ታ ሃገር ኵናት ንምእዋጅ ትዳሎ ስለዘላ’ዩ ንዝብል መግለጺታት መንግስቲ እታ ሃገር ነጺግዎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ብቀዳም 13 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ግብጺ ዓብደል ማሕሙድ ዓብደልሓሊም ናብ ካርቱም ዘምርሐ ምስ መንግስቲ ሱዳን ተወሳኺ ምዝርራብ ስለዘድለዮ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ እቲ ኣምባሳደር ብዛዕባ ተኽእሎ ኵናት ምስ ግብጺ ብዝምልከት ዝሃቦ ዝኾነ መግለጺ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ብፍላይ ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝዘርግሖኦ ዜና፣ እቲ ኣምባሳደር ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ሱዳን ምስ ግብጺ ኵናት ንምእዋጅ ትዳሎ ስለዘላ’ያ ክብላ’የን ከጋውሓ ቀንየን።

ኣቐዲመን ብጉዳይ ናይል ኣብ ምርድዳእ ከይበጽሓ ዝጸንሓ ሱዳንን ግብጽን፣ ብጉዳይ ዶብ ሓላይብ ብዝበኣሰ ተራሲነን ይርከባ።

ዶባታ ብምዕጻው ሰራዊታ ኣዋፊራ እትርከብ ሱዳን፣ ብወገን እቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ካብ ኤርትራን ግብጽን ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘለዋ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ዞባ ሰናር ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ተጻባእትና ይኹን ተሓባበርቶም ክመጽኣና ንዝኽእል ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምምካት ተዳሊና ኣሎና ክብል እኳ እንተኣወጀ፣ ብዛዕባ’ዚ ብወገን ኤርትራን ግብጽን ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ግና ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0