ብሕርያ ህግደፍ ናብ ስልጣን ዝመጹ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም

ብሕርያ ህግደፍ ናብ ስልጣን ዝመጹ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም

Radio Erena, March 12, 2014

Abun

ካብ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ብሕርያ ህግደፍ መብል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ዝተመዘዙ ኣቡነ ድዮስቖሮስ፣ ብዘጋጠሞም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ከምዘጋጠሞም ተገሊጹ።

ኣቡነ ድዮስቆሮስ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠሞም ወቕዒ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ሰበ ስልጣናቱ ዝሕከምሉ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ሆስፒታል ንሕክምና እኳ እንተልኣኾም፣ ኩነታት ጥዕንኦም ግና ክመሕእየሽ ከምዘይክኣለ’ዩ ተሓቢሩ።

እቶም ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ማለት ቅኖና ብምጥሓስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣካላውን ኣምእሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ካብቲ ክእለይሉ ዝጸንሑ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ሆስፒታል ናብ ኣስመራ ከምዝተመልሱ’ውን ተዋህዶ ዶት ኦርግ ኣረጋጊጹ።

 

መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ወ ቁዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ፣ ምስ ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ እምነትን ሃይማኖታትን ስለዘይተቓደዉ፣ ህግደፍ ብውሳኔኡ ካብቲ መንፈሳዊ መዝነቶም ብምእላይ ኣብ ክንድኦም ንኣቡ ዲዮስቖሮስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ንኽኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሚኒስተራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ 2007 ከምዝሸሞም ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህወይት እንከለዉ ቤተክርስትያን ድማ ካብ መዝነቶም ዘውርድ ዝኾነ ክሲ ዘይረኸበትሎምን ክነሳ፣ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ንዕኦም ብምትካእ መበል ራብዓይ ፓትርያር ክኾኑ ብህግደፍ ዝቐረበሎም ጠለብ ምቕባሎም ካብ ድያቆናት፣ ካህናት፣ ፓጳሳትን ሲኖዶስን ከቢድ ተነጽሎ ኣጋጢምዎም’ዮም።

እቲ ብህግደፍ ዝተዋህቦም መበል ራብዓይ ፓትርያርክነት ድማ በተን ኣብ ግብጺን ካልእ ክፍሊ ዓለማት ዝርከባ ማሕበራት ኦርቶዶክሳውያን ቤተ ክርስትያን ዓለም ተቐባልነት ኣይረኸበን።

79 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቡነ ድዮስቆሮስ፣ ብሰንኪ ተንጽውሎን መንፈሳዊ ጸቕጥን ክሳቐዩ ከምዝጸንሑ ናይ ቀረባ ፈልጥቶም ዝምስክርሉ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ድማ ወቕዒ ኣጋጢምዎም ዓራት ሒዞም ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ።

እታ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ታሪኽን ብዙሕ ሰዓብን ዘለዋ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣባል ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣብ ምምሕዳር ኦርቶዶክስ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ዝተመደብ ኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ ዝመርሖም ካህናት’ዮም ዘካይዱዋ ዘለዎ።
==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0