“ብልሽውና፣ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት’ዩ፣” ፕረዚደንት ኬንያ

“ብልሽውና፣ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት’ዩ፣” ፕረዚደንት ኬንያ

Radio Erena: 24 November 2015

Ken Corr

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ብልሽውና ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት’ዩ ክብል ኣዊጁ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰኑይ 23 ሕዳር ነዚ ኣዋጅ ዘመሓላለፈሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ኣመሓደርቲ ባንክታትን ምስ ብልሽውና ዝተሓሓዝ ክሲ ኣብ ዝቀረበሎም ዘሎ እዋን’ዩ።

ሓንቲ ካብቶም ብብልሽውና ተኸሲሶም ዘለዎ ሰበ ስልጣን ኬንያ፣ ሚኒስተር ውጥን ኣን ዋይጂሩ፣ ካብ ስልጣና ብወለንትኣ ተኣልያ ኣላ።

 

እንተኾነ እታ ሚኒስተር ካብ ስልጣና ዝተኣልየትሉ ምኽንያት ጥዕና’ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ከምዘላ ዝንገረላ ኬንያ፣ ኣብቲ ዞባ ብብልሽውና ቀዳማይ ደረጃ’ያ ሒዛ ዘላ።

እታ ሃገር ብብልሽውና ካብ 174 ሃገራት ኣብ መበል 145 ክትስራዕ እንከላ፣ ብመንገዲ’ዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ይጠፋፋእ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ እዚ ኣብ ጥርዙ በዚሑ ዘሎ ብልሽውና እታ ሃገር፣ ስጉምቲ እንተዘይተወስዱሉ ሃገራዊ ድሕነት ኬንያን ህዝባን ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ምዃኑ’ዩ ዘጠንቕቕ ዘሎ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0