ንጅቡቲን  ኢትዮጵያን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር፣ ህጹጽ ረዲኤት  ንምብጽጻሕ ግዝያዊ ኣገልግሎት ጀሚሩ

ንጅቡቲን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር፣ ህጹጽ ረዲኤት ንምብጽጻሕ ግዝያዊ ኣገልግሎት ጀሚሩ

Radio Erena: 24 November 2015

Dj Eth

ንወደብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር፣ ምሉእ ብምሉእ ከይተዛዘመ፣ ኣብ ምብጽጻሕ ህጹጽ ረዲኤት ንኸገልግል ግዝያዊ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጀመረ ኣገልግሎት ዜና ቻይና – ሺንሁዋ ሓቢሩ።

1125 ቶን ረዲኤት ዝጸዓነ ፈላሚ ባቡር፣ ካብ ወደብ ጅቡቲ ተበጊሱ ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት ጉዕዞ፣ 112 ኪሎሜተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ንደቡብ ርሒቑ ናብ ዝርከብ መረበ መርመርሳ ዝተባህለ ቦታ ብቀዳም 21 ሕዳር ከምዝበጽሐ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣረጋጊጹ።

 

ንወደብ ጅቡትን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ 756 ኪሎሜተር ዝሽፍን መንገዲ ባቡር ብክልተ ቻይናውያን ኩባንያታት ዝዕመም ዘሎ ፕሮጀክት ኮይኑ፣ እቲ ቀዳማይ ካብ ጅቡቲ ክሳብ መይሶ፣ እቲ ካልእይ ድማ ካብ መይሶ ክሳብ ሰበታ(ኣዲስ ኣበባ)’ዩ ክዝርጋሕ።

ይኹን’ምበር እቲ መንገዲ ባቡር ምሉእ ብምሉእ ከይተዛዘመ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልዩ ስለዘሎ፣ ብወደብ ጅቡቲ ዝኣቱ ረዲኤት ብህጹጽ ንኽባጻሕ ግዝያዊ ኣገልግሎት ንኽህብ ከምዝተኸፈተ’ውን ቻይናውያን ኣካይደቲ ስራሕ የረድኡ።

ነዚ ኣብ ምብጻሕ ረድኤት ከገልግል ተባሂሉ ንግዚኡ ጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት መንገዲ ባቡር ንምክያድ’ውን ተወሰኽቲ ክኢላታት ካብ ቻይና ተዓዲሞም ከምዘለዉ ሓድ አካብ ሓለፍቲ ናይቲ ፕሮጀክት ፉ ጹን (Fu Xun) ንሺንሁዋ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት፣ መንግስቲ እታ ሃገር ሓያል ጻዕርታት ኣብ ምክያድ እኳ እንተሎ፣ ናብቲ ብደርቂ ተሃስዩ ዘሎ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንዝርከብ ከባቢታት፣ ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕ መጓዓዝያ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0