ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፣ ካሌ ክዓኑ ወሲኑ

ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፣ ካሌ ክዓኑ ወሲኑ

Radio Erena: 26 February 2016

Calais

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ተኣኻኺቦምሉ ዘለዉ ካሌ ካብ ሎሚ ዓርቢ 26 ለካቲት 2016 ኣትሒዙ ክዓኑ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ወኒኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ዝወሰነ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ነቲ ዘይሕጋዊ መዓስከር ስደተኛታት ንኸዕንዎ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብቲ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምግምጋም ከኣ እቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ተኣኻኪቦምሉ ዘለው ብጣሻ ዝፍለጥ ካሌ ክዓኑ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ውሳኔኡ ሂቡ።

በዚ መሰረት፣ ኣብ ካሌ ተኣኻኺቦም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ሎሚ ኣትሒዞም ብወለንትኦም ክለቁ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ።

 

ነቲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ እንተዘይተቀቢሎም ከኣ ፖሊስን ፍሉያት ሓይልታት ጸጥታን ብሓይሊ ክኣልይዎም ተዳልዮም ምህላዎም ካብ ካሌ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0