“ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ’ያ ንዝብሉ ወጻእተኛታት፣ መእተዊ ቪዛ ኣይንህብን፣” ቆንስል  ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ

“ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ’ያ ንዝብሉ ወጻእተኛታት፣ መእተዊ ቪዛ ኣይንህብን፣” ቆንስል ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ

Radio Erena: 26 February 2016

Toni

ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ዝገጥሞም ዘሎ ተቓውሞ፣ ፍትሓዊ ኣይኮነን ክብል ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ቶኒ ሎሸ ገሊጹ።

እቲ ቆንስል ምስ ምዕከን ዜና ለ’ኤብዶ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ነቶም ኣርባዕተ ኣባላታ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ዘተባብዓሉን መእተዊ ቪዛ ዝሃቦምን ምኽንያት፣ ንህሉው ኩነታት በዒንቶም ክዕዘቡ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ነቶም ኤርትራ ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ’ያ ዝብል መርገጺ ዝሓዙ ግና ቪዛ ምሃቦም ትርጉም የብሉን ክብል’ውን ደምዲሙ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ ካብ ዓበይቲ መዘራረቢ ኣርእስታት እታ ሃገር ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ካብ የመናውያን ሰልፍታት እታ ሃገር፣ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ መንገዲ ክናደ ኣለዎ ክብሉ እንከለዉ፣ ጸገማውያን ሰልፍታት ከኣ ናብታ ብቤት ምእሰርቲ እትምሰልን፣ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽን ኤርትራ ዝምለስ ስደተኛ የለን ክብሉ’ዮም ዝማጎቱ።

 

ምምላስ ስደተኛታት ፓርላማ እታ ሃገር ክምልሶ ዘይክኣለ ጉዳይ’ዩ ክብል’ውን ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ዝሕእለፈ ቅንያት ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ’ውን ኣብ ኤርትር ዘሎ ኩነታት ከምቲ ብማዕከናት ዜና ዝግለጽ ኣይኮነን ብምባል፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምጽውዖ ብትሪ’ዮም ተነቒፎም።

እቶም ስዊዘርላንዳውያን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ሃለዋቶም ዘጥፍኦም ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዜጋታትን ኣብ ግምት ከየእተዉን፣ ኣብ ኤርትራ ናጻ ማዕከን ዜና ከምየዘየለ ከየስተብሃሉን፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተራኺቦምን ኣብ ኤርትራ ተዛዊሮም ጥራይ ስለዝተመልሱ፣ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከሕትት ዝኽእል ጸገም የለን ምባሎም’ውን፣ ብማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን ብትሪ’ዮም ተነቒፎም።

እቶም ኣርባዕተ ስዊዘርላንዳውያን ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ቶኒ ሎሸ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሑ’ዩ ዝግለጽ።

67 ዓመት ዝዕድሚኡ፣ ስዊዘርላንዳዊ ቶኒ ሎሸ፣ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ’ዩ።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0