“ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ክግበረሉ መደብ የሎን፣” ሚ/ዜና ኣቶ የመነ ገብረመስቀል

“ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ክግበረሉ መደብ የሎን፣” ሚ/ዜና ኣቶ የመነ ገብረመስቀል

Radio Erena: 26 February 2016

Yemane

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ዝግለጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ክገብረሉ መደብ ከምዘየሎ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የመነ ገብረመስቀል ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፣ ምጥያስ ይኹን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ምግባር ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ስግኣት ዝተሓሓዝ’ዩ ክብል’ውን ጠቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ኣገልግልት ናይ ግዜ ገደብ ከይገብረሉ፣ ካብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ዝኽእል ስግኣት ከም ኣውራ ምኽንያት’ዩ ዝጥቐመሉ።

 

ይኹን’ምበር ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ፣ ነቲ “ባርነት” እናበሉ ዝገልጽዎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምቅዋም ናብ ስደት ክውሕዙ ይርኣዩ።

እዚ ምስ ባርነት ዝጽብጸብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ምስኡ ተተሓሒዙ’ውን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ብምህላው ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቲ መንግስቲ 200 ሚልዮን ኤውሮ ንኽህብ’ውን ኣብ ጉዳይ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ዶሞዝ ወሰኽ ደኣ’ምበር ናይ ግዜ ገደብ ክገብር መደብ ከምዘይነበሮ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ናብ ኣስመራ ዑደት ምስ ዘካየደ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ እንከሎ ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜ ገደብ እኳ እንተነበሮ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ኢትዮ- ኤርትራ ኵናት ግና፣ ኣብ “ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት”ሃዋሁ ኢና ዘሎና ብዝብል ጉልባብ፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንልዕሊ 15 ዓመታት ብስማዊ ክፍሊት ተታሒዞም ይርከቡ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0