ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያትን፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝተኻየደ ምግሃስ መሰላት ክገብርዎ ዝጸንሑ መጽናዕቲ፣ ቀዳማይ ደረጃ ዛዚሞም

Radio Erena: 12 September 2021
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያትን፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተኻዪዱ ንዝተባህለ ምግሃስ መሰላት ክገብርዎ ዝጸንሑ መጽናዕቲ፣ ቀዳማይ ደረጅኡ ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ።
‘ዘ ጋርድያን’ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃስ መሰላት ካብ ዕለት 16 ግንቦት ክሳብ 20 ነሓሰ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ቲ ዞባ ብምኻድ መጽናዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጹ።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ቀዳማይ ጸብጻብ ንሰኑይ 13 መስከረም ኣብ ጀኔቫ ንዝጋባእ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ክቐርብ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን፣ ናይ ዝኾነ ጸግዒ ከይሓዙ፣ ኣብ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ ቦራ፣ ማይጨው፣ ዳንሻ፣ ማይካድራ፣ ሑመራ፣ ጎንደርን ባህርዳርን ብምዝውዋር ነቲ ጸብጻብ ከምዝኣከብዎ ይገልጹ። ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ከምዘካየዱ ገሊጾም።
ኣብቲ መጽናዕቲ፣ ልዕሊ 200 ቃለመጠይቓት ምስ ግዳያትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፣ ኣመሓደርቲ፣ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ሃይማኖታውያን ትካላት፣ ትካላት ጥዕናን ካልኦት ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝተኻየደ ተጠቒሱ ይርከብ።
እዚ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንዕለት 13 መስከረም ንዘተን ክትዕን ዝቐርብ ኣፈናዊ ጸብጻብ፣ ተጻፊፉ፣ ናይ መወዳእታ መልክዕ ሒዙ ንዕለት 1 ሕዳር 2021 ብወግዒ ክግለጽ እዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0