ደ/ሱዳን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሰርሑ ዲፕሎማሰኛታት ብዘይወርሓዊ ደሞዝ ንክልተ ዓመታት ይሰርሑ

Radio Erena: 12 September 2021
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ደቡብ ሱዳናውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ወርሓዊ ደሞዝ ከምዘይተኸፍሎም ተገሊጹ።
ማዪክ ኣዪ ደንግ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ብሓሙስ 9 መስከረም ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እዞም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኤምባሲታት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ክሳብ’ቲ ላዕለዋይ ጽፍሒ ብዘይ ደሞዝ የገልግሉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ንመዝነተይ ኣብዚ ስራሕ ከቢድ ካብ ዝገብሮ ሓደ፣ ብዘይደሞዝ ዝሰርሑ ዲፕሎማሰኛታት ምምሕዳር እዩ፣ ክብል እቲ ሓድሽ ሚኒስተር ገሊጹ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ደብቡ ሱዳን ደኺሙ ዝርኣየሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕጽረት ባጀት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝተራእየ ድኽመት ኣብ ሓያሎ ሚኒስትሪታት’ቲ መንግስቲ ተራእዩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ነቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መዝነት ኣብ ዝሃበሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታት ኤምባሲን፣ ግቡእ ክፍሊቶም ብእዋኑ ክወሃቦም፣ ኣብቲ ሚኒስትሪ ከኣ ሓድሽ ስርርዕን ቅርጽን ከተኣታቱ ንማዪክ ኣዪ ደንግ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ደቡብ ሱዳን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘስዓቦ ባጀታዊ ሕጽረት፣ ኣባል ንዝኾነቶም ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ትካላት እውን ክፍሊታ ከምዘየጻፈፈት ምንጭታት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0