ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባ ጽዑቕ ምጽንጻን ከካዪድ ዘኽእሎ ሓንጺጹዎ ዘሎ መደብ ክስርዝ፣ ጥርዓን ቀሪቡ

Radio Erena: 12 September 2021

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባ ጽዑቕ ምጽንጻን ከካዪድ ዘኽእሎ ሓንጺጹዎ ዘሎ መደብ ክስርዝ፣ ጥርዓን ቀሪቡ።
ኣብ በበይኑ እዋን፣ ኣብ ኣባል ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱን ዝተዋህቡን ስደተኛታት ዝርዝር መንነቶም ዘጠቓለለ ጸብጻብ (database) ተወሳኺ ዝርዝራት ኣትዩዎ፣ ኣብ ምጽንጻን’ቶም ውልቀሰባት ንኽውዕል፣ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 2018 ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ጸኒሑ’ዩ።
ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣባል ሃገራት ኣብ ዝበጽሑዎ ስምምዕ፣ ኣብቲ ጸብጻብ ስእሊ፣ ቁጽሪ ፓስፖርት፣ ናይ ኢድ ዓሸራ ዝኣመሰለ፣ ንውልቃዊ መንነት ዝገልጽ ዝርዝር ትሕዝቶ ኣብቲ ናይ ምጽንጻን መደብ ክኣቱ ዝብል ይርከቦ።
ነዚ መደብ’ዚ ብምቅዋም ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ 31 ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላት ግብረሰናይ፣ ናብ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ቅሉዕ ደብዳቤ ጽሒፈን።
እተን ትካላት ኣብ ጥርዓነን፣ ስእልን ምልክታት ኣጻብዕን ውልቀሰባት ንመጻናጸኒ ምጥቃም፣ ውልቃዊ ሓርነት ዝገፍፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንትሕቲ ዕድመ ህጻናት’ውን ስለዘጠቓልል፣ ሓደግኡ ከቢድ ከምዝኾነ ጠቒሰን።
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ልክዕ ከም ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ዝተወልደ ህጻን ክንክን ከምዘድልዮም ክግንዘብ፣ ብዓቢኡ ከኣ እቲ ውሳኔ ንኣህጉራዊ ስምምዕ መሰል ህጻናት ዝጻረር ምዃኑ ክዝክር፣ እቲ ጻውዒት የዘኻኽር።
እዚ ንውልቃዊ ሓርነት ስደተኛታት ዝጥሕስ ጸብጻብ ዝሓዘ መዝገብ ኣብ 2018 ኣብ ዝጀመረሉ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ከተተግበረ እዩ ጸኒሑ። ኣርቀቕቲ ሕጊ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2020 ነቲ መደብ ዳግማይ ከም ዝበራበር ብምግባሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብፓርላማ ንኽጸድቕ ኣብ ዘተ ቀሪቡ ይርከብ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0