ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ናይ 90 ቢልዮን ብር ተወሳኺ ባጀት ንሰራዊት ሰሊዑ: ልዕሊ 40 ሚእታዊት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብሕጽረት መግቢ ተጠቒዑ

Radio Erena: 30 January 2022

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ናይ 90 ቢልዮን ብር ተወሳኺ ባጀት ንሰራዊት ሰሊዑ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብሕጽረት መግቢ ተጠቒዑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ውድብ መግቢ ዓለም ብ28 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ብዘይካ ኣብ ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን እውን ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፣ ቁጽሪ ብዋሕዲ መግቢ ናይ ዝጥቃዕ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ናብ 9 ሚልዮን ደዪቡ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብወገኑ፣ ካብቲ ናብ ትግራይ ክበጽሕ ዝተኣመመ ናይ መግብን መድሃኒትን ረዲኤት፣ 10 ሚእታዊት ጥራይ ተዋሂቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብመሰረት’ዚ ብዓርቢ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ፣ 14 ሚእታዊት ካብ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሜኦም ህጻናት ዋሕዲ መግቢ ኣጋጢሙዎም ምህላዉ፣ ሓንቲ ካብ ሰለስተ ጥኑሳትን ሓራሳት ኣዴታትን ከኣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዐን ምህላወን ተገሊጹ።

ማእከል ጥዕና ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ 1,500 ዝግመት ህዝቢ ብዋሕዲ መግብን መድሃኒትን ከምዝሞተ ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ምስ ለገስቲ ማሕበራት ብምትሕብባር ረዲኤት ናብ ኩሉ ክባጻሕ ይጽዕር ከምዘሎ ይገልጽ። እንተኾነ ትካላት ግብረሰናይ ካብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላልፉዎ ዘለዉ ጸብጻብ፣ መጠኑ ዝሓለፎ ተፍትሽን ምቁጽጻርን ሰራዊት መንግስቲ፣ ንስራሕ ዕንቅፋት ኮይኑዎም ምህላዉ ይገልጹ።

ናብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ቀይሕ መስቀል፣ ‘ንውልቅና ንጥቀመሉ ኣብ ጁባና ዝነበረ መድሃኒት እውን ብተፍትሽ ተመንጢልና ኢና’ ክብሉ ምረቶም ገሊጾም።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0