ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ንህወሓትን ሸኔን ከም ግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ክምዝገቡ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 02 May 2021

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ንህወሓትን ሸኔን ከም ግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ክምዝገቡ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብ1 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ከም ውሳነ ሓሳብ ኢሉ ዘቕረቦ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ንዝተኻየዱ መጥቃዕታት በዞም ክልተ ውድባት ዝተፈጸሙ ወይ ዝተሃንደሱ እዮም ክብል ከሲሱ።
ብሰንኪ’ቲ ዝተኻየደ መጥቃዕታት ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ምሕላፉ፣ ንብረት ምዕናዉን፣ ስድራቤታት ካብ ቤት ንብረተን ምምዝባሉን ኩሉ፣ ንፖለቲካዊ ረብሓን፣ ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝመጸ ለውጢ ንፍሻልን ዝዓለመ ምንባሩ እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዘውጸኦ እማመ ከሲሱ።
መራሕቲ’ዘን ውድባት ብውልቀሰብ ደረጃ ምኽሳሶም ዝከኣል እኳ እንተኾነ፣ ብመሰረት ኣብ 2020 ዝወጸ ኣዋጅ፣ ነተን ውድባት ብእኩብ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ምስፋረን፣ ዝሓሸ ምቁጽጻር ሽበራ ንኽካየድ ዝሕግዝ ምዃኑ’ዩ እቲ ቤት ምኽሪ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ተባሪዑ ዘሎ ፖለቲካዊን ዓሌት ዝመንቀሊኡን ግጭታት ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተመወለ’ዩ ክብል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብዚ ናይ ዕለት 1 ግንቦት ኣኼባ፣ እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ነዘን ውድባት ከም መሳርሒ ክጥቀሙለን ጸኒሖም ብምባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ወቒሱ።
ብመሰረት ዓንቀጽ 23 ናይቲ ኣብ 2020 ዝወጸ ኣዋጅ፣ ኣባላት ህወሓትን ሸኔን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ተሓባበርቲን፣ ምስተን ውድባት ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀሰባት እውን ተሓተቲ ምዃኖም እቲ ቤት ምኽሪ ይገልጽ።

=============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0