ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ብጉዳይ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምዝርራብ ናብ ከተማ ካርቱም ዑደት ከካዪዱ’ዮም

Radio Erena: 02 May 2021

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ብጉዳይ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምዝርራብ ናብ ከተማ ካርቱም ዑደት ከካዪዱ እዮም።
እቶም ክሪስቶፈር ኩንስን፤ ክሪስ ቫን ሆለንን ዝርከብዎም ሰበስልጣናት ምምሕዳር ባይደን፣ ሰኑይ 3 ግንቦት ሱዳን ኣብ ዝኣትዉሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሚኒስተራት ፍትሒን ሃብቲ መሬትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ቆንስላዊ መንግስቲ ሱዳን ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበረሎም።
ቫን ሆለን፣ ዶባዊ ግጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ክከታተሎ ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፣ ክሪስቶፈር ኩንስ ብወገኑ፣ ሱዳን ካብ መዝገብ መወልቲ ሽበራ ክትወጽእ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ይንገረሉ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን፣ ንዲጋ ተሓድሶ ብዝምልከትን፣ ምስ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ይዝከር።
ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፣ ብሄር ዝመሰረቱ ግጭት ኢትዮጵያ፣ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ይመርሖ ከምዘሎ፣ ክሪስቶፈር ኩንስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0