ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ምፍራስ ጸጥታ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተጀመረ ምህናጽ 61 መስመራት ጽርግያ ተሰናኺሉ

Radio Erena: 03 May 2021

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኢትዮጵያ፣ ተኸሲቱ ብዘሎ ግጭታትን ምፍራስ ጸጥታን፣ ድሕነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋን ስግኣትን ኣትዩ ከምዘሎ በብእዋኑ ዝግለጽ ዘሎ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እታ ከይትፈርስ ተሰጊኣ ዘላ ሃገር፣ ዝነበራ ናይ ወፍሪ ዕድላት እናጸበበ፣ ንዝመጽእ ዓመታት ንወፍሪ ካብ ዘይብሃጋ ሃገራት ክትብሃል ጀሚራ ትርከብ።

በዓል መዚ መንገድታት ኢትዮጵያ፣ ብዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታ፣ ኣብ ምህናጽ ዝነበሩ 61 ጽርግያታት ተሰናኺሎም ኣለዉ።

ዘ ሪፖርተር ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፣ እቲ በዓል መዚ፣ ፍርቂ ትሪልዮን ብር ዝግመት ኣስታት 200 መንገድታት’ዩ ዘመሓድር።

ብድምር 11 ሽሕ ኪሎሜተር ዝግመት ናይ ቅጥራን ጽርግያ ኣብ ምህናጽ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ በዓል መዚ፣ ብሰንኪ ምፍራስ ጸጥታ፣ ኣብ ግዚኡ ክውድኦ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ንገሊኡ’ውን ጠቕሊሉ ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ መንገዲ ንስራሕ ተባሂሉ ንዝፈርስ መቃብር ይኹን መንበሪ ኣባይቲ፣ ግራውቲን ጀራዲንን፣ ካሕሳ ንምኽፋል ዝሕተት ብዝሒ ገንዘብ ቅጥዒ ዘይብሉ ዘይምእክሉን ብምዃኑ፣ ካልእ ተወሳኺ ጸገም ከምዘለዎ በዓል መዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0